ኣብ መበል 19 ጽንብል ነጻነት ኤርትራ፡ ማሕበር ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ-ስድሪ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና እናበለት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኸኣ ንመሪሕነት ህግደፍ እዞም ዝስዕቡ ጠለባት ተቕርብ፡
ከምኡውን ንሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ነቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኸኣ ብፍላይ፡ እሱራት ክፍትሑን ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ክምስረትን ዓው ኢሉ ክሓትት፡ ንምእንቲዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ህግደፍ ከኣ ኣድላይ ጸቕጢ ከካይድ ንጽውዕ። ኣባላት ማሕበረ ኮማት ኤርትራ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ንምእንቲ መሰላቱ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ ዘረጋገጾ መዓልቲ ነጻነት፡ ካብ መሪሕነት ህግደፍ ተሓታትነት ምጥላብ ልዑል ሃገራዊ ግዴታ ከም ዝኾነ ነዘኻኽር።
ፈጻመት ሽማግለ ስድሪ
17 ግንቦት 2010