Archive for: June, 2006

ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ኮንፈርንስ ም.ተ.ም.ኤ(E.A.I.M)

ካብ ዕለት 28-ክሳብ 29 ግንቦት ዝተኻየደ ካልኣይ ኮንፈረንስ ምሕዝነታዊ ተሳትፎ ምንቅስቃስ ኤሪትራውያን (ም.ተ.ም.ኤ) ብዓወት ተዛዚሙ።

ኮንፈረንስና ዝተኻየደሉ፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ጽንኩር ቅልውላው ኣትይሉ ዘሎ ህሞት ብምግንዛብ ፡ ህዝቢ ኤሪትራ ነተን ዝሓለፋ 30 ዓመታት መረርቲ ናይ ቃልሲ እዋናት፡ ዝኸፈሎ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ጸጋኡን ጻሙኡን ከይረኣየ ዝተኾልፈሉ እዋን ኣዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤሪትራ ከም ዓለሙ፡ ከምቶም ነጻነቶም ረኺቦም ቀሲኖም ብሰለም ዝነብሩ ዘሎዉ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ፡ሰላም ረኺቢ ቀሲኑ ኩሉ ዜጋ ኣብ ምምዕባልን ሃገርን ዕብየት ሕብረተ-ሰብን ልዑል ግዲኡ ክጻወት ምተገበኦ።እንተኾነ ግን ኣብ ዘይተጸብዮ ዘስካሕክሕ ናይ ጭቆና መርበብ [...]

ሰነድ መደረ Pal talk ብተስፋይ ደጊጋ ።

Reported by shumdehan

1       ዕለት 11-12  ወርሒ 05     2006።

       2       ቦታ pal talk Room Democracy for all።

       3       21.07 – 03.18  (6,51 ሰዓት)።

       4       ኣማሓደርቲ መደረ room Democracy for all።

5       @Ex_fbi

6       @Segem100

7                     @Shumdehan

8                     @Hishum

9                     ብዝሒ ተኸታተልቲ 101 ነይሮም።

10                 ከሓቱ ኣብ መስርዕ ዝተመዝገቡ 28 ሰባት ነይሮም ።

11                 ኣብ መስመር ሕቶ ኣርኪቦም ዝሓተቱ 21 ነይሮም።

12                 ተመሳሳሊ ሕቶታት 4  ነይሩ።

13                 ምሉእ መደረ ትግርኛ ነይሩ ሕልፍልፍ ኢሉ ከኣ ብዓረበኛ ተተርጒሙ።

14                 ዘይሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒሞም ነቲ ሃዋህው ክጸልዉ ዝፈተኑ 2 ሰባት ነይሮም።

15                 ምሉእ መደረ ኣብ CD ተሓቲሙ [...]

ሰላም ንቋንቋ ሰላም ዝርድኦ፤ በትሪ ከአ ንበትሪ ዘስምዖ!

ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ከመይ ትዀኑ?

ሎሚ ንሕሉፍ ተግባራት ዋህዮ ዘዛኻኽር ኣርእስቲ ሒዘ ቀሪበ ኣሎኹ፡፡ መቸም „ምስ ኣድጊ ዝኸደ ህላ’ኳ እንተዘይለመደስ ጥራት“  እንዶ አይተባህለን፤ ገለ ንክብረትኩም ዘይበቅዕ ቃላት እንተዘንዚረ ክትዕገሱኒ ብትሕትናን ብቐዳምነትን አማሕጽን፡፡

ድሕረባይታዊ ሓበሬታ፦

አብ ዝሐለፍናዮም ወርሐት መስከረምን ጥቅምትን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት መጠነ ጽዑቕ ክፉት ኣኼባታት ንተቐማጦ ሃገር ጀርመን ዝዀኑ ኤርትራውያን አካይዶም፡፡ ብዕለት 23 መስከረም 2006 አብ ከተማ ፍራንክፎርት 1) ብብጻይ ወልደሱስ ዓማር ኣቦመንበር ውድብ „ተጋድሎ ሓርነት ሰውራዊ ባይቶ“ 2) ብብጻይ መስፍን ሓጎስ ኣቦመንበር ውድብ „ኤርትራዊ ሰልፊ ዲሞክራሲ“ 3) ብብጻይ ዓብደላ ኣደም [...]

እምብኣር ኣምላኽ ኰንካ

ብ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ሰነ-02-2006

ሓለቓ ናይ ህግደፍ ዲክታቶር ናይ ሃገር

ኣምልኹኒ ኢሉዎም ቀናእ ከም እዝጊሄር

ነጻነት ኣምጺአ ተዋጊአ ባዕለይ

ሕጂ ግዴኹም’ዩ ደጊም ስገዱለይ

ምሃንድስ’የ ነይረ ናይቲ ኩሉ ወራር

ድረፉ ድምጻውያን ውቓዕ ብዓል ክራር

      ኣይኮነን ወድ-ሰብ ንጽሓይ ዘድንን

      ትሕቲ ኣምላኽ’ኮ ኣነ’የ መኰንን

      ገሊኡ ይዘምር ገሊኡ ይሳዕስዕ

      ንዓይ ዝደለየ ኣውርድዎ ባጽዕ

ትሓጒሰ ’ለኹ ሰሚዔ ድርሰትኩም

ንዘልኣለም ንበር ጌርኩማ ጸሎትኩም

ምዓስ በዚሑኒ ህግደፍ ብዓል ቅያ

እዛ ባንዴራ’ኮ ኣነ’የ ’ምጺኤያ

      ኣይትረስዕዎ ናይ ህግደፍ ጅግንነት

      ኣፍልጡዋ ዓለም ኣብ ብዓል ነጻነት

      ሽም ንህቢ ኢልኩምኒ ብዘይ ፍትሒ-ርቂ

      ክንደይ ተስተውዕሉ ንሳ’ያ ’ታ ሓቂ

ፋሺ መሶሊኒ ንጥልያን ዘዕበደ

ወድ’ምበር ረኺቡ ካብኡ [...]

Photo Gallery

Log in | All rights farajat.net © 2010